ሓባይብ
ሓኪም :" እታ ዝጸሓፍካለይ ቼክ :ተመላሲት ኮይና አላ ''
ሕሙም :"ዝገርመካ'ዩ ዶክተር። እታ ሰሐ'ውን ተመሊሳትኒ'ያ ''
እምቢታ
"ስለመንታይ ዘይትምርዐዋ?''
"ሽግር ዘረባ ስለዘለዋ ''
"ዓባስ ድያ ?''
" አይፋልን ።'ሕራይ ' ትበል ቃል'ምበር አይትወጻን'ያ''
ናይ ዓቅሚ ሕቶ
ሐደ ሰብአይ ሰበይቱ ምስ ካልእ ሰብአይ ደቂሳ ጸንሓቶ ።
ሰብአይ ነት ኩነታት ክትጻወሮ ስለ ዘይከአለ :ምስ ዓርኩ ናብ ሐደ ባር ከዱ ።
"እምባእ .... ሰበይተይ ነይራ እንተትኸውን: ካብቲ ሰብአይ መንቲለ ድከታ
መራኣክዋ '' በለ ዓርኪ ።
"ኣነ 'ዉን ሓሲበዮ፣ለኹ ።ቅሩብ ዕብር ምስ ዝበለ ሰብአይ ደቂሳ ክትጸንሓኒ'የ
ዝጽበ ዘለኹ ''